Address
600 S Jupiter RD, Richardson, Tx 75081
Work Hours
Call for Information
ኦ ጎይታ……………………………… መሓረና
ኦ ክርስቶስ……………………………መሓረና
ኦ ጎይታ…………………………………መሓረና
ኦ ክርስቶስ…………………………ስምዓና
ኦ ክርስቶስ…………………………ጽን በለና
ኦ ሰማያዊ ኣብ ኣምላኽ…………………መሓረና
ኦ መድሓኔ ዓለም ወልደ ኣምላኽ…………መሓረና
ኦ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ……………መሓረና
ኦ ቅድስት ስላሴ ሓደ ኣምላኽ…………መሓረና
ኦ ካብ ከርሲ ኣብ እትፍልፍል ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ……ኣባኻ ንእመን
ኦ ዘይትብጻሕ ምስጢር ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ናይ መለኮት ዝለዓለ መግለጺ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ካብ ምስጢረ ስላሴ እትፍልፍል ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ብኣእምሮ ሰብን መላኣክትን ዘይትምርመር ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ናብ ኩሉ ሕይወትን ታሕጓስን ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ናይ ኩሉ መንክራት ምንጪ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ንመላእ ፍጥረታት ዓለም እትጭብጥ ምሕረት ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ብስጉው ቃል ኣብ ዓለም ዝመጻእካ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ካብ ርሑው ቁስሊ ልቢ ኢየሱስ ዝወሓዝካ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ኦ ምእንታና ብፍላይ ከኣ ንሓጢኣተናታት ኣብ ልቢ ኢየሱስ ዝተዓቆርካ ምሕረት ኣምላኽ………ኣባኻ ንእመን
ንጸሊ: ኦ ምሕረትካ ደረት ዘይብሉ፡ መዝገብ ርሕራሔኻ ዘይውዳእ ዘልዓለማዊ ኣምላኽ፡ ኣብቲ ጽንኩር እዋናት ክንዲ ትብዓት ምስኣንን፡ ተስፋ ምቁራጸን፡ ብዓቢ እምነት ኣብ ትሕቲ ፍቅርን ምሕረትን ዝኮነት ቅድስቲ ፍቃድካ መታን ክንሓድር፡ ቆላሕታ ሕያውነትካ ኣባና ምለስ፡ ምሕረትካ’ውን ኣብዝሓልና ኢካ፡፡ ኣሜን፡፡
ቀስተ ጸሎት ናይ ምሕረት ሰዓት (3፡ 00 ድ’ ቀ)
“ኦ ከም ምንጪ ምሕረት እንካብ ልቢ ኢየሱስ ዝፈልፈልካልና ደምን ማይን ኣባኻ እእመን ኣለኩ፡፡” 3X ይድገም
+ ብስም ኣብን ወልደን መንፈስ ቅዱሰን ሓደ ኣምላክ ኣሜን።
ነዛ ጸሎት መቁጸርያ ዚደግማ ነፍሳት ብሕይወተን ብፍላይ ካኣ ኣብ ሰዓት ሞተን ብምሕረትይ ክሕቖፋ እያተን፡፡ (ዜ’ሕ 754)